Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ቅዋም ንምግላፅ ትካላት ሃይማኖት ግደአን ክዋፅኣ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ቅዋም ንምግላፅ ትካላት ሃይማኖት ግደአን ክዋፅኣ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እተን ትካላት ኣብ ግብፂ ይኹን ኣብ ኻልኦት ሃገራት ዓለም ዝርከባ ተመሳሰልቲ ትካላት ሃይማኖት መሰል ፍትሓዊ ተረባሕነትን ቅዋምን ኢትዮጵያ ኣብ ምግላፅ ዝዓዘዘ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ክሰርሓ ከምዝኽእላ፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ኣቦታት ሃይማኖት ተዛሪቦም።

ናይ ኣመንቲ ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ፥ ዝለዓለ ርክብ ትካላት ብዘለወን ትካላት ሃይማኖታ ኣቢላ ቅዋማ ንምርዳእ ክትንቀሳቐስ ከምዝግባእ ኢዮም እቶም ኣቦታት ሃይማኖታት ዝሓበሩ።

ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢዮጵያ ላዕለዋይ ሓላፊ ርክባት ወፃኢ ዶክተር ብፁዕ አቡነ አረጋዊ፥ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዛዕባ ኮይኑ ዝቐርበሎም ኣጋጣሚታት ስለዘለዉ ግልፂ ዝኾነ መብርሂ ምሃብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እመምነት ኢዮጵያን ግብፂን ዘበናት ዘቑፀረ ምትእስሳር ከምዘለወን ዝገለፁ ዶክተር ኣቡነ ኣረጋዊ፥ እቲ ዝፀንሐ ርክብ ብምጥቃም ፍትሓዊ ዝኾነ ቅዋም ኢትየጵያ ንምብራህ ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

መምህር ማይማኖት እስልምና ኡስታዝ አቡበክር አህመድ ድማ ግብፂ ሃይማኖታዊ ቅርፂ ክትህበሉ ዝሓሰበቶ ሕቶ መሰልን ፍትሒን ብእስላማዊ ትካላት ኣቢሉ ንግብፂ ይኹን ዓለም ለኸ ትካላት መግለፂ ቅዋም ብምቕራብ እንተይተረፈ ተበፃሒ ምግባር ይግባእ ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ዑላማዎች ኢትዮጵያ ቅዋም ኢትዮጵያ ዝገልፅ ደብዳቤ ንቤት ምኽሪ ዑላማዎች ዓለምን ግብፂን ብምፅሓፍን ጉጅለ ልኡኻት ብምልኣኽን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መብርሂ ክገብር ከምዝግበኦ እውን ኣተሓሳሲቡ።

ፕሬዚዳንት ካውንስል ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ዶክተር ኢያሱ ኤልያስ ብግደኦ፥ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ቅዋም ኢትዮጵያ ምግላፅ ናይ ትካላት ሃይማኖት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ተኸተልቲ እምነታትን ዓቕሚ ዘለዎም ኩሎም ኢትዮጵያውያን ግደ ዝሓትት ከምዝኾነ ገሊፆም።።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.