Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ፖሊሲን ስትራቴጂታትን ልምዓት ኢንተርፕራይዛት ካብ ኮሪያ ልምዲ ንምቕሳም ትልሚ ኣለዋ – ዶ/ር ፍፁም ኣሰፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፌዴሪኢ ዶክተር ፍጹም ኣሰፋ  ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ካንግ ሶኪ ተዛቲየን፡፡

እተን ሚኒስትር ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝገበረኦ ፃንሒት፥ ኢትዮጵያን ኮሪያን ንዘበናት ዝዘለቐ ምትሕብባር ልምዓት ከምዘለወን ዝሓበራ እንትኾና፥ እተን ሃገራት ኣብቶም ናይ ምትሕብባር ዓመታት ብዙሓት ዓወታት ብሓባር ከምዘመዝገባ ገሊፀን፡፡

ኮሪያ ንኢትዮጵያ ሓገዝ ዝገበረትሎም ዓውዲታት ዝፀርሓ ዶክተር ፍፁም፥ እቶም ሓገዛት ቴክኒካዊን ሰብኣዊን ኣገልግሎታት ዘካተቱ ከምዝነበሩ እውን ዘርዚረን፡፡

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ እዋን ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኮሪያን፣ ኢትዮጵያን ህዝባን ሰናይ ነገራት ከምዝቐሰማ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ነቲ ርክብ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ከምዝስራሕ ገሊፀን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዓማውቲ ምስ ደቡብ ኮሪያ ብዝህልዋ ምትሕብባር ኣብ ዓውዲታት ሓይሊ ሰብ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ባህሊ ኢንዱስትሪ፣ ትካላዊ ልምዓት፣ ኣብ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ምሕንፃፅ ፖሊሲን ካልኦትን ከምተድህብ ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ፖሊሲን ስትራቴጂታትን ልምዓት ኢንተርፕራይዛት ካብ ኮሪያ ልምዲ ንምቕሳም ትልሚ ከምዘለዋ ኣፍሊጠን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.