Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ 2050 ዓ.ም.ፈ “ልቀት ካርበን” ናብ ባዶ ንምብፃሕ ሸቶ ኣቐሚጣ ትሰርሕ ኣላ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ 2050 ዓ.ም.ፈ “ልቀት ካርበን” ናብ ባዶ ንምብፃሕ ሸቶ ኣቐሚጣ ትሰርሕ ኣላ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘላቒ ምዕባለ ኢኮኖሚን ለውጢ ክሌማን ኣብ ዝዛተ መበል 15 ዓለም ለኸ ጉባኤ “ሰስቴኔቢሊቲ” ኣቡ ዳቢ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ኢትዮጵያ ለውጢ ክሌማ ንምንካይ ብዙሓት ስራሕቲ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ተሓዳሲ ሓይሊ ምዃና ብምግላፅ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ማይ፣ ንፋስ፣ ፀሓይን ሃፋን ሓይሊ ተፈልፍል ከምዘላ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብምብጋስ ኢትዮጵያ ኣብ 2050 ዓ.ም.ፈ “ልቀት ካርበን” ናብ ባዶ ንምብፃሕ ሸቶ ኣቐሚጣ ትሰርሕ ኣላ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብዝጀመረቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ  25 ሚሊየን ዜጋታት ብምስታፍ 25 ሚሊየን ፈልሲ ምትካል ከምዝኸኣለት ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ምዕባለ ኢኮኖሚ ንምቕፃል መንግስቲ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ሓንፂፁ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ብውልቀ ዓውዲ ንክምራሕ፣ ተወዳዳሪ፣ ቆጣቢ ሃፍቲን ብፅዕንቶ ለውጢ ክሌማ ኣብ ዘይብዳህን ኢንዱስትሪ ዝተደረኸ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ፃዕሪ ንገብር ኣለና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.