Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ 3ይ ኤክስፖ ቻይና-ኣፍሪካ ንግዲን ኢኮኖሚን ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)ኣብ 3ይ ኤክስፖ ቻይና-ኣፍሪካ ንግዲን ኢኮኖሚን ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ኣብ ቻይና ሁናን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኤክስፖ÷ ተወከልቲ 53 ኣሃገራት ኣፍሪካን ኣመራርሓታት ብዙሓት ዓለም ለኸ ኩባንያታትን ተረኺቦም፡፡

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኢትዮጵያ ብፍርያት ምግቢን ልውውጥ ንግዲን ትፅቢት ዝግበረላ መለክዒ ንምምላእ ፃዕሪ እናገበረት ከምትርከብ ኣብሪሆም፡፡

ምትሕብባር ሃገራት ኣፍሪካን ቻይናን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ቀፃሊ ሓበራዊ ተረባሕነት ብዝሓለወ መልክዑ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ብተመሳሳሊ÷ ኣብ ቻይና ከተማ ቻንግሻ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኮንፈረንስ ፕሮሞሽን ዩንግጆ የደረቅ ወደብ ኢንቨስትመንት ቻይና ተሳቲፎም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ መድረኽ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ኣመልኪቶም ገለፃ ምግባሮም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.