Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ቅድሚ ዝቕፅል ክረምቲ ክዛዘም ኢዩ ዝብል እምነት ከመዘለዋ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ቅድሚ ዝቕፅል ክረምቲ ክዛዘም ኢዩ ዝብል እምነት ከመዘለዋ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

እቶም ሚነስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርዌይ ኢኔ ኤሪክሰን ሶሬይድ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦን ድማ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይን ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰን ዝምልከት መብርሂ ሂቦምወን፡፡

ምስቲ ግድብ ተተሓሒዙ ዘሎ ድርድር ድማ ኢትዮጵያ ብቕንዕና እናገበረቶ ትርከብ ድርድር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ መብርሂኦም፥ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን እናተኻየደ ዝርከብ ሰለስተኣዊ ድርድር እቲ ግድብ ንምምላእ ካብ ዝተሓሰበሉ ዝቕፅል ክረምቲ ኣቐዲሙ ክዛዘም ኢዩ ዝብል እምነት ከመዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ ድማ ዝኾነ ይኹን ትካል ሓገዝ ኣብቲ ክልል ምንቅስቓስ ከምዝኽእልን ሓገዝ ከብፅሕ ከምዝኽእልን ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተመሓየሸ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ስሩዕ ስረሐን ከምዝጀመራን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እናቀረበ ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ክልል ተፈፂሙ ዝተብሃለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰለ ተተሓሒዙ እውን መንግስቲ ካብ ፖሊስ ፌዴራልን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊን ሰብ ሞያታት ብምልኣኽ ነቲ ጉዳይ እናፃረየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ተሳትፎ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣካላት ናብ ሕጊ ንምቕራብ መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.