Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ክብፃሓ ካብ ሞንጎ ዝግበአን 5 ብሉፃት መስሕባት ቱሪዝም ዓለም ሓንቲ ኢያ – ናሽናል ጂኦግራፊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናሽናል ጂኦግራፊ ክብፃሓ ካብ ዘለወን ሓሙሽተ ብሉፃት መስሕብት ቱሪዝም ዘለወን ሃገራት ኢትዮጵያ ሓንቲ ኢያ ክብል ኣካቲቱዋ።

ናሽናል ጂኦግራፊ – ብሪታኒያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ናይ ሓዱሽ ዓመት ሕታሙ ሒዙ ወፂኡ፡፡

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዓፋር ዳሎል ኣካሊሉ ዝርከብ ከባቢ ደናክል ብቀዳምነት ቀልቢ በፃሕቲ ዝገዝአ ክብል ኣብ ዲጂታል ሕታሙ ኣስፊሩዎ።

ከባ ደናክል ኣብ መሬትና ዝርከብ ደረቐ፣ ኣዚዩ ሙዉቕን ሰጣሕን ከባቢ ከምዝኾነን ፈተናን ድፍረትን ዝፈትዉ በፃሕቲ እንተይበፅሑዎ ከምዘየሓልፉን ኣብቲ ሓበሬታ ተፀሪሑ።

እቲ ከባቢ ኣብ ውሽጡ ጨው ዝበዝሖም ሩባታት፣ ቢጫ ቐለም ዘለዎም ኣሲዳዊን ሃፋ ዝተመልኡን ፍልፍላት ከምኡ እውን ከም ውሕጅ ዝፈስሱ እሳተ-ገሞራታት ከምዝሓዘ ተገሊፁ።

ናሽናል ጂኦግራፊ -ብሪታኒያ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጎንደርን ላሊበላ ብተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትና ብድምቀት ዝኽበሩ በዓላት ጥምቀትን ልደትን መስሕባት ቱሪዝም ከምዝኾ ገሊፁሉ።

በፃሕቲ መስሕብ ዘደንቕ መልክዓ ምድሪን ብዙሓት ዓሌታት ዝርከቡሉን ክሳብ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኦሞ ዝዘልቕ ደቡባዊ ክፋል ዘሎ ከባቢ ንኽበፅሑ እውን ምዒዱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.