Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ወናንነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ኣማራፂታት ኣለዉዋ – ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕስስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ኮሚቴታት ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ህብረት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ዞባዊ ጉዳያትን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ጉዳያት ፀፅታን ፖለቲካን ኣመራርሓታት እቲ ባይቶ መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ህብረት ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል፣ ፀገም ፀፅታ፣ ስርዓት ፌዴራል፣ ሕቶ በሪ ባሕሪ፣ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ከምኡ እውን ሓለዋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት መብርሂ ሓቲቶም።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ዲማ ነገዎ (ዶ/ር)÷ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እናተርኣየ ዘሎ ፀገም ፀፅታ ብዘላቕነት ንምፍታሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ከምኡ እውን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር ዘኽእል ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ እናልዐለቶ ትርከብ ሕቶ ምውናን በሪ ባሕሪ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊታት ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን መገዲ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝተመሰረተ ንኽኸውን ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ወናንነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ኣማራፂታት ከምዘለዉዋ ብምፀራሕ፥ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሉኣላዊ ሃገራት ኢድ ምእታው ከምዘይትድግደፍ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.