Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ውሳነታት ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ንምትግባር ቆራፅ ምዃና ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ውሳነታት መበል 28 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ንምትግባር ምስ ኩሎም መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባ ንምስራሕ ቆራፅ ምዃና ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ብኣሰናዳእነት ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኣብ ከተማ ዱባይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ 30 ሕዳር ክሳብ 12 ታሕሳስስ ዝተኻየደ መበል 28 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ፡፡

ኣብ መብርሂኡ ድማ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውሕመ (COP28) ብዝርዝር ኣብ ዝተኻየዱ ድርድራት ክሌማዊ ለውጢ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ እናካየደቶም ኣብ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ምላሽ ክሌማዊ ለውጢን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ዕዉት ተሳትፎ ብምግባር ከምዝተመለሰት ኣዘኻኺሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተሳተፉሉ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ብሳዕቤን ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማት ምላሽ ንመሃብ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 32 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈለሲታት ከምዝተተኸሉ ኣፍሊጦም ከምዝነበሩ ፀሪሑ፡፡

ብፍርያት ስርናይ፣ ቀረብ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ብምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ዝተጀመረ ትሩፋት ሌማት ከምኡ እውን ዓውዲ ትራንስፖርት ንክሌማዊ ለውጢ ዝስማዕማዕ መበረታትዒ ኣማራፂ ዓውዲታት ትራንስፖርት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብዝርዝር ከምዘረድኡ እቲ ሚኒስቴር ኣብሪሁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ብመሪሕነት ከምዝተሳተፈት ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር÷ ኣባል ኣብ ዝኾነትሎም ጉጅለ ኣፍሪካ፣ ጉጅለ ኣብ ትሑት ደረጃ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ብምምራሕ ከምዝተሳተፈት እውን ገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ማዕቐፍ ውሕመ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ማዕቐፋት ምትሕብባር ዘለዋ እምነት መሰረት ብምግባር ውሳነታት መበል 28 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ንምትግባርን ኣብ ከይዲ ትግበራ ምስ ኩሎም መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን እቲ ሚኒስቴር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.