Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዓውዲ መዓድና ብቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ምስ ቼክ ሪፐብሊክ ብሓባር ብምስራሕ ይሰርጅ ኣለኹ ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ መዓድን ብቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ምስ መንግስቲ ቼክ ሪፐብሊክ ብሓባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኘ (ኢ/ር) ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኘ (ኢ/ር) ምስ ኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚሮስላቭ ኮሴክ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ሃፍቲ መዓድን ኢትዮጵያ ንዘላቒ ልምዓት ንምውዓል ብዳህሳስ ስነ-ምድሪን መፅናዕቲ ኣለሻን ንምዕባይ ብሓባር ከምዝሰርሑ ተመያይጦም።

ዓውዲ መዓድን ብቴክኖሎጂ ንምዝማንን ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ንምትግባርን ብሓባር ከምዝሰርሓ ምርግጋፆም እውን ተገሊፁ፡፡

ኣምባሳደር ሚሮስላቭ ኮሴክ ከምዝገለፁዎ፥ ሃገሮም ምስቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕን ተሞክሮኣ ንምክፋልን ድልውቲ ኢያ፡፡

ሰብ ሞያ ቼክ ሪፐብሊክ ም ጂኦሎጂካል ኢንስቲትዩት ኢትዮጵያ ኣብ ዳህሳስ መዓድንን ምርምር ኣለሻን ብሓባር ከምዝሰርሑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.