Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘላቒ ድንጋገ ውሕስና ሓለዋ ሃፍቲ እንስሳት ኣፍሪካ ንኽፀድቕ ንዘበርከተቶ ግደ ኣፍልጦ ተዋሂቡዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ እዋን 5ይ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ዘላቒ ድንጋገ ውሕስና ሓለዋ ሃፍቲ እንስሳት ኣፍሪካ ንኽፀድቕ ንዘበርከተቶ ግደ ኣፍልጦ ተዋሂቡዋ።

ኣብ ከባቢያዊ ጉባኤ ውሕመ ሃፍቲ እንስሳት ንምሕላውን ብዘላቕነት ንምጥቃምን ዝሕግዝን ረቂቕ ድንጋገ “ኢንሹራንስ ሃፍቲ እንስሳት” ኣብ 5ይ ጉባኤ ከባቢ ንኽፀድቕ ኢትዮጵያ ንኽትድግፍ ልዝብ ተገይሩ ከምዝነበረ ይይከር፡፡

ካብ ኣፍሪካ ብምርባሕ ሃፍቲ እንስሳ ቀዳመይቲ ዝኾት ኢትዮጵያ፥ እቲ ረቂቕ ድንጋገ ንኽትድግፍ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ እቲ ሕብረት ምስ ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ዶክተር ጌታሁን ጋረደው ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተን ሓበራዊ ግንዛበን ብምድራኽ ኢትዮጵያ እቲ ድንጋገ ምፅዳቑ ረብሓ ኣፍሪካ ዝሕሉ ኢዩ ኢላ ብምእማን ካብ 28 ለካቲት 4 መጋቢት 2022 ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መሪሕ ኮይና ከምዝደገፈቶ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ስምምዕነት ንኽፀድቕ ንዝተፃወተቶ ስራሕቲ ምትሕብባር ቢሮ ሃፍቲ እንስሳር ሕብረት ኣፍሪካ ንቤት ዕዮ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢትዮጵያ እናመርሑ ንዝርከቡ ዶክተር ጌታሁን ጋረደው ኣፍልጦ ሂቡዎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.