Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘተሰርሐ ስራሕ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘተሰርሐ ስራሕ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ገምጋም ከይዲ ስራሕ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ብምዝዛም ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ተዛቲዩ።

ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሓይሊታት ጦር ንክልተ መዓልቲ ዝተኻየደ ዓመታዊ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ዝመርሑ እቶም ሚኒተር ፀብፃብ ስራሕ 2014 ዓ.ም ምስኣድመፁ ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢታዊ ነይሩ።

ከም ትካል ልዑል ሃፍቲ ሃገር ዝወፅኦም እታወታት ምህርቲ ካብ ምግዛእ ንላዕሊ ኣብ ኣፍረይቲ ስራሕቲ ብምስታፍ ወፃኢ ናይ ምንካይ ስራሕ ንዝበለፀ ግቡእ ብቑዕ ከምዝገብር እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ትልሚ በጀት 2014 ዓ.ም ዝነበሩ ክፍተታት ዝመልእ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.