Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፈተና ብምድግጋፍን ብሓድነትን ምሕላፍ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፈተና ብምድግጋፍን ብሓድነትን ምሕላፍ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ሚኒስቴር ጥዕና፥ ኣብ ክልለ ዓፋር ዞባ ፈነቲ ረሱ ብግብ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ጥዕና መጀመሪ ስራሕ ዝውዕል 1 ነጥቢ 7 ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ናውቲ ሕክምና ሓገዝ ገይሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ሎሚ መዓል ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ተረኺበን እቲ ሓገዝ ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣረኪበን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፈተና ብምድግጋፍን ብሓድነትን ምሕላፍ ይግባእ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ነቲ ክል ዝተውሃበ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ቃል ኣቲየን።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ብግደኦም፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንፁሃን ቀቲሉ ሃፍቲን ንብረትን ህዝቢ ዘረፋ ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

ተግባር እቲ ግብረ ራዕዲ ንታሪኽ ዝቕመጥ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ወሳኒ እዋን ሓገዝ ምግባሪ ኣመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.