Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብምስንዳእ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ሰሪሓ ኢያ – ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብምስንዳእ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ሰሪሓ ኢያ ከብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ገሊፆም።

ኣብ ክሊ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ፥ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋን ኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖን አያኖመግለፂ ሂቦም።

ኣምባሳደር ብርቱካን፥ ካብ 6 ክሳብ 10 ለካቲት 2016 ዓ.ም ዝተኻየደ ጉባኤ ኣፈፀምቲ ስራሕን መራሕቲን ሕብረት ኣፍሪካ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተሳለጠ ተዛሪበን።

ቅድሚ እቲ ጉባኤ ብሄራዊ ኮሚቴ ብምውዳብ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፥ ብሃገራዊ መንፈስ ብሓባር ከምዝተሰርሐን ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ 31 ሃገራት ብብርኪ መሪሕነት፣ 6 ሃገራት ብብርኪ ምክትል መሪሕነት፣ 7 ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ከምኡውን 2 ሃገራት ብተወከልቲ፣ 1 ብብርኪ ኤምባሲ ብሓፈሻ 49 ጉጅለ ልኡኽ ሃገራት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተሳተፉ ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ 14 ዓለም ለኸ ትካላትን ልዕሊ 500 ሚዲያታት ወፃኢን ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተሳተፉ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ቀዳማዊት እመቤታት 13 ሃገራት ኣብ መበል 28 ጉባኤ ቀዳማዊት እመቤታት ምክፋለን ተዛሪበን።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብምስንዳእ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ሰሪሓ ኢያ  ኢሎም።

ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ካብ ቀዋሚ ኮሚቴታት ክሳብ መራሕቲ ጉባኤ ጠመተ ብምሃብ ከምዝተዘተየሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከምዘገምገመት ብምግላፅ፥  ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕነት ብእወንታዊ ጎኑ ከምዝተገምገመ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ሕርሻ ሃገራት ኣፍሪካ ብላዕለዋይነት ዝከታተሉ ብምዃኖም፥ ኩነታት እተን ሃገራትን ኩነታት ዓውዲ ሕርሻ ኢትጵያን ነቲ ጉባኤ ከምዘቕረቡ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ጉባኤ ፅርየት ትምህርቲ ኣፍሪካ ምሕላው ዝጠመተ መደረ ምቕራቦም ብምግላፅ፥ ኣፍሪካ ኣብ ኢንቨስትመንት ትምህርቲ ጠመተ ምግባር ከምዝግበኣ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሳቦም ምግላፆም ተዛሪቦም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.