Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፀገማት ኣፍሪካ ብኣፍሪካዊያን መፍትሒ ንክረኽቡ ልዑል ፃዕሪ ገይራ ኢያ-ኣይተ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፀገማት ኣፍሪካ ብኣፍሪካዊያን መፍትሒ ንክረኽቡ ልዑል ፃዕሪ ገይራ ኢያ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ኣባላት ፓርላማ ፓን ኣፍሪካን ቀወምቲ ኮሚቴታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓበራዊ ኣኼባ ኣሳሊጦም።

ኣይተ ታገሰ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምጥያሽ ሓድነት ኣፍሪካ ዝነበራ ግደ ልዑል ኢዩ ኢሎም።

ኣብዛ ኣህጉድ ብቐፃሊ ዝረኣዩ ፀገማት ብምቕራፍ ዝማዕበለት ኣፍሪካ ንክትፍጠር ፅኑዕ ቅዋም ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ዲፕሎማሲ ፓርላማ ሓበራዊ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ፓርላማ ፓን ኣፍሪካ መፍትሒ ቁልፂ ፀገማት ብምዃኑ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.