Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፕሮቶኮል ኣረጋውያን ኣፍሪካ ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ቻርተር መሰል ሰባትን ህዝቢታትን ፕሮቶኮል ኣረጋውያን ኣፍሪካ ተቐቢላ ኣፅዲቓ።

እቲ ፕሮቶኮል ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ቁፅሮም ብዙሓት ዝኾኑ ኣረጋውያንን ድሌቶም ብዝምልከት ብፍሉይ ትኹረት ሂቡ ንምትግባር ዘኽእል መሰሎምን ክግበረሎም ዝግባእ ሓለዋን ኣመልኪቱ ኣባል ሃገራት ክትግበርኦ ዝግበኦም ስጉምቲታትን ዝሓዘ ቻርተር ኢዩ፡፡

ብቀንዱ ድማ ኣብ ማሕበረሰብ፣ ብባህሊን ዝተቐመጡ ኣተሓሳስባታት ሓዊሱ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ናፃ ናይ ምዃንመሰል፣ መሰል ማዕርነትን ሓለዋ ሕጊን ምርካብ፣ ናይ ባዕሎም ድሕንነት ብዝምልከት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ውሳነ ምሃብ፣ መሰል ጥዕና፣ ኣካል፣ ልምዲ፣ ዓቕሚ ዘማእኸለ ዕድል ስራሕ ምርካብ፣ ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ልምዓታት፣ ኣብ ባህሊን መዘናግዒን ስፖርታዊ ምድላዋትን ናይ ምስታፍ መሰላት ዝሓዘ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብፍሉይ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ኣረጋውያን፣ ጉዱኣት ኣካል ዝኾኑ ኣረጋውያንን ኣብ ስግኣት ሓደጋ ጎንፂን ተፈጥሮን ዘለዎም ከባቢታት ዝርከቡ ኣረጋውያን ፍሉይ ሓለዋ ዘንብሩ ድንጋገታት ከምዘካተተ ካብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያ ብግደኣ፥ ቻርተር መሰል ሰባትን ህዝቢታትን ፕሮቶኮል ኣረጋውያን ኣፍሪካ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1182/2012 ብምፅዳቕ ናይ ምፍፃም ሓላፍነቱ ንሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ብመሃብ ኣካል ሕጊ ኢትዮጵያ ገይራቶ ኣላ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.