Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘሳልጥኡ ሰለስቲኣዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምት 17፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዘሳልጥኡ ሰለስቲኣዊ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ከምዝጅምር ተገሊፁ።

ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ብደገፍ ሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝግበር ሰለስቲኣዊ ዘተ፥ ኣብቲ ግድብ ዘለወን ኣፈላላይ ኣብ ሓበራዊ ስምምዕነት ንምብፃሕ ዝግበር ዘተ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ካብ መፈለምትኡ ኣትሒዛ ሓበራዊ ረብሓን ብዘረጋገፀ መልክዑ ፍትሓዊ ተረባሕነት ክህሉ ከምዝግባእ እናገለፀት ፀኒሓ ኢያ።

ህንፀት ግድብ ሃዳሰ እውን ብፅሒትን ተረባሕነትን ማይ ተፋሰስ ሃገራት ኣሉታዊ ፅዕንቶ ብዘየምፅእ መልክዑ ከምዝካየድ እናገለፀት ምምፃኣ ይፍለጥ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘተ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትራታ ማይን ሰለስቲአን ሃገራት ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዝጅመር ሰለስተኣዊ ዘተ፥ ሚኒስትር ርክብ ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

ሰለስተኣዊ ድርድር ኢትዮጵያ ፣ ሱዳንን ግብፅን 4 መስከረም 2013 ዓ.ም ክቕፅል ኢዩ ዝብል ትልሚ ዝነበረ ይኹን እምበር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንዘሓለፉ ሽዱሽተ ሰሙናት ተቛሪፁ ፀኒሑ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.