Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ንመናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ተንቀሳቐስቲ ሹቓት ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም መዓልቲ ወለንታዊነት ምኽንያት ብምግባር ንመናእሰይ ፈጠርቲ ስራሕ ተንቀሳቐስቲ ሹቓት ኣበርኪቱ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኩባኒያን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ እቶም ተንቀሳቐስቲ ሹቓት ርኽክብ ተገይሩ።

ብ8 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ብር ዝተሰርሑ 30 ተንቀሳቐስቲ ሹቓት÷ ን99 ፈጠርቲ ስራሕ መናእሰይ ተበርኪቶም።

እቲ ኩባንያ መዓልቲ ወለንታዊነት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዝርከቡ 26 ማእኸላት ወለንታ ንዝርከቡ 7 ሺሕን ኣረጋውያን መኣዲ ኣካፊሉ።

ካዚ ብተወሳኺ 70 ሺሕ ተምሃሮ 840 ሺሕ ደፍተር ንምልጋስ ከምዝተሰናድአ ግዜኢ ፀብፂቡ።

መዓልቲ ወለንታ “ወለንታዊነት ንሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናተኸበረ ይርከብ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.