Fana: At a Speed of Life!

ኢንተርፕራይዛት ኣብ ዓለም ለኸ ባዛር ምስታፎም ዶብ ዘለል ዓማዊል ንምፍራይ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዓለም ለኸ ባዛር ምስታፎም ካብ ዕዳጋ ዓለም ልምዲ ንኽረኽቡን ዶብ ዘለል ዓማዊል ንምፍራይ ከምዝሕግዝን ተገሊፁ።

ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ኢትዮጵያ ዛምቢያ ሉሳካ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ባዛር ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ካብ 20 ክሳብ 25 ሓምለ 2014 ዓ.ም እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 94 ኢንተርናሽናል ባዛር ኣግሮ ሌዘር፥ ካብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ኣብ ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን፣ ኣብ ዓለባን ክዳውንቲን ከምኡአ ውን ኣብ መቀነባበሪ ሕርሻ ዝተዋፈሩ 13 ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዓለም ለኸ ባዛር ምስታፎም፥ ፍርያቶም ንኸፋልጡ፣ ካብ ዕዳጋ ዓለም ልምዲ ንኽረኽቡን ዶብ ዘለል ዓማዊል ንኽህልዉዎም ሰፊሕ ዕድል ከምዝፈጥርን ምሕባሩ ካብ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.