Fana: At a Speed of Life!

ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ረብሓ ህዝቢ ብምፅራርን ሃፍቲን ንብረትን ብምዕናውን ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምምላስ ኣይከኣለን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ረብሓ ህዝቢ ብምፅራርን ሃፍቲን ንብረትን ብምዕናውን ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምምላስ ኣይከኣለን ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ካብ ውሽጥን ደገን ተዋዲዶም ብሓይሊ ብናዕብን ዓመፅን እኩይ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ባህጊታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንምፅዓን ኢሉ እውን ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ዘዋደድዎ መጥቃዕቲ ህዝብታት ሃገርና ብምትሕብባር ምምካት ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ኣንፃራዊ ሰላም ምንጋስ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪቦም።

ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ረብሓ ህዝቢ ብምፅራርን ሃፍቲን ንብረትን ብምዕናውን ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምምላስ ኣይከኣለን አሎም።

ዝተፈላለየ ሕቶን ባህጊን ዘለዎም ሓይሊታት ሕቶታቶም ብዝሰልጠነ መገዲ ንከንቀሳቕሱን ንክቃለሱን ዘኽእል ምህዳር ፖለቲካ ንክህሊ መንግስቲ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ዘላቒ ሰላም ንክህሊ ካብ ምውርራድ ሒሳብን መገዲ ፅልኣትን ምውፃእ ዘኽእሉ ብዙሓት ስጉምቲታት ከመዝተወሰዱ ገሊፆም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.