Fana: At a Speed of Life!

ኣመሪካ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ 3 ሽሕ ሰራዊት ከምእትልኽ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመሪካ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ 3 ሽሕ ሰራዊት ከምእትልኽ ኣፍሊጣ።

ቅትለት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ቃሲም ሶለይማኒ፥ ኲናት ንምጅማር ዘይኮነስ ደው ንምባል ዝተገበረ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም።

ነቲ ዓርቢ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዒራቕ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ “ዘበነ ሽበራ ሱለይናሚ ኣብቂዑ ኣሎ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ኣመሪካ ዒላምኡ ዝሓለወ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ኣሸባሪ ክብሉ ንዝገለፅዎ ቃሲም ሱለይማን ዲፕሎማሰኛታትን ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣናትን ኣመሪካ ንምቕንፃል ይውጥን ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ኢራን ብወገና ሕነ ከምእትፈዲ ተሓንያ ኣላ።

ቅትለት እቲ መራሒ ሰራዊት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ብዝፈጠሮ ወጥሪ፥ ሰበመዚ ኣመሪካ 3 ሽሕ ሰራዊት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከምእትልእኽ ገሊፆም ኣለዉ።

ብተወሳኺ ቀዳም ንጉሆ ኣብ ልዕሊ መጓዓዝያ ሚልሻ ዒራቕ ብዝተፈፀመ ካሊእ መጥቃዕቲ፥ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ሮይተርስ ገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.