Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ቢሮ ፀፅታ ክልል ሶማሌ ምስ ኣመራርሓታት ዞባ ሂራን ግዝኣት ሂር ሸበሌ ሪፐብሊክ ሶማሊያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ቢሮ ፀፅታ ክልል ሶማሌ ምስ ኣመራርሓታት ዞባ ሂራን ግዝኣት ሂር ሸበሌ ሪፐብሊክ ሶማሊያ ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ድሕንነትን ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙባሽር ዱባድ፣ ዋና ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ኮሚሽነር ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ፣ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል መሓመድ ዓሊ ሓሰን ከምኡ እውን ኣመራርሓታትን ሓለፍቲ ካልኦት ትካላት ፀፅታ ዞባ ሂራን ግዝኣት ሂር ሸበሌ ሪፐብሊክ ሶማሊያ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ብወገን ሶማሊያ ኣመሓዳሪ ዞባ ሂራን ኣይተ ዓሊ ጃይቴ ዑስማንን ኣብ ዞባ ሂራን ዝርከቡ ኣዛዚ 5ይ ክፍለ ጦር ሰራዊት ምክልኻል ሶማሊያ ዋና ኣዛዚ ጄነራል መሓሙድ ሓሰን፣ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ግዝኣት ሂር ሸበሌ ሳላህ ሑሴንን ካልኦት ሰብ መዚን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ ሰላም ብዶብ ኣከባቢ ኣልሸባብን ካልኦት ሓይሊታት ፀረ ሰላምን ናብ ክልቲኦም ዶባት ሸሊኾም ከየኣትዉ፣ ጎንፂታት ብሓባር ንምክልኻልን ብድርቂ ዝተጎድኡ ዜጋታት ንምሕጋዝን ብምውዳድን ብምትሕብባርን ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሀ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቢሮ ፀፅታ ክልል ሶማሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.