Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንኣይተ ደመቀ መኮንን ናይ ክብሪ ምፍናው ገይሮምሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንነበር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ናይ ክብሪ ምፍናው ምስጋናን ገይሮምሎም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዝነበሮም ናይ መሪሕነት ዘበን ንዘበርከቱዎ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኢዩ ምስጋናን ናይ ክብሪ ምፍናውን ተገይሩሎም፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ዝኻዕበተ ልምዲ ኣመራርሓ ኣይተ ደመቀ ካብ ትካል ሓሊፉ ብብርኪ ሃገር ኣብ ቀፃሊ እውን ተሞክሮ ዝውሰደሉ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝነበሮም ግዘ በቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝጀመሩዎም ፅቡቓት ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ብግደአን÷ “ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ ትካል ብዝነበረን ፃንሒት ብፍላይ ሃገርና ገጢሞምዋ ዝነበሩ ፈተናታት ንኽትሳገር ፀገም ፈታሕቲ ሓሳባት ብምፍልፋልን ቆራፅ ኣመራርሓን ብመሃብ ወሳኒ ግደ ተፃቶም ኢዮም” ኢለን፡፡

ኢትዮጵያ ብክልተኣዊን በዓል ብዙሕን ወገን ዲፕሎማሲን ዓወት ክተመዝግብ ኣበርክቶኦም ዕዙዝ ከምዝነበረ ምግላፀን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.