Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካን ስዊድንን ንሰብኣዊ ደገፍ ትግራይ ዝኸውን ልዕሊ 24 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን ስዊድንን ንሰብኣዊ ደገፍ ትግራይ ዝውዕል ልዕሊ 24 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ገይረን።

ካብቲ ሓገዝ ገንዘብ እቲ ልዕሊ 18 ሚሊየን ዶላር ናይ ኣሜሪካ እቲ 6 ሚሊየን ዶላር ድማ ናይ ስዊድን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ዝገበረቶ ደገፍ፥ ኣብ መዓስከር ሱዳን ንዝርከቡ ተጋሩን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ነዝተመዛበሉ ዜጋታትን ኣድለይቲ ነገራት ንምቕራብ ከምዝውዕል ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ንመፅለሊ፣ ሓይሊ ወሃቢ ምግቢ፣ ክንክን ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ማይን ኣገልግሎት ፅርየትን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ብተመሳሳሊ ስዊደን ዝገበረቶ ሓገዝ ገንዘብ፥ ብዓለም ለኻ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ኤጀንሲ ተመዛበልቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝኸውን ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.