Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካን ኢራንን እሱራት ተለዋዊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን ኢራንን ልውውጥ እሱራት ከምዝገበራ ተገሊፁ።

ክልቲአን ሃገራት ሓሙሽተ እሱራት ዝተለዋወጣ እንትኾና÷ ኣሜሪካ ዝተኸልከለ 6 ቢሊየን ዶላር ኢራን ምልቃቓ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ልውውጥ እሱራት ኣብ ሞንጎ ዋሺንግተንን ቴህራን ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ድርድር ውፅኢት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንኒውዮርክ ታይምስ ከምዝገለፁ፥ ሓሙሽቲኦም ኣሜሪካውያን ካብ ቴህራን ትማሊ ተላዒሎም ካብ ኳታር ናብ ዋሺንግተን ኣምሪሖም።

ካብ ማእሰርቲ ዝተለቐቑ ኣሜሪካውያን ኣብ ቴህራን ብገበን ስለላ ተኸሲሶም 10 ዓመት እስራት ዝተበየነሎም ከምዝኾኑ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ጋዜጣ ኑር ኒውስ ኢራን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሓሙሽተ ኢራናውያን ብተመሳሳሊ ግዘ ከምዝተለቐቑ ምርግጋፁ ሓበቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.