Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ምስጢራዊ ሰነዳት ወተሃደራዊ ድሕነት ብምልሓኽ ንዝተጠርጠረ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ኣብ ቀይዲ ኣውዒላቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ምስጢራዊ ሰነዳት ወተሃደራዊ ድሕነት ብምልሓኽ ንዝተጠርጠረ ወዲ 21 ዓመት ኣባል ሃገራዊ ሓለዋ ኣየር እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ኣውዒላቶ።

እቲ ጃክ ተሸይራ ዝተብሃለ መንእሰይ፥ ነቶም ሰነዳት ኣብ ናይ ኢንተርነት ጌም መፃወቲ ቻትሩም ከምዝዘርገሖም ተገሊፁ።

ስለዝኾነ  ምስጢራዊ ሰነዳት ወተሃደራዊ ድሕነት ብምልሓኽ ክሲ ስለያ ክቐርበሉ እዩ ተባሂሉ።

እቶም ዝለሓዅ ሰነዳት ኲናት ዩክረይንን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፈተውታ ዘካየደቶ ስለያን ዝጥምቱ ምስጢራት ዝሓዙ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ምክልኻል ኣመሪካ ብርጋዴር ጀነራል ፓት ራይደር፥ እቲ ሰሊኹ ዝወፅአ ሓበሬታ “ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ገበናዊ ተግባር እዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.