Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ምስ ሩሲያ ኲናት ውክልና ተካይድ ኣላ – ዲሚትሪ ሜድቬዲቭ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ንዩክሬን ብምሕጋዝ ምስ ሩሲያ “ኲናት ውክልና” እናካየደት ምዃና ነበር ፕሬዚዳንት ሩሲያ ዲሚትሪ ሜድቬዲቭ ገሊፆም።

እቶም ነበር ፕሬዚዳንት እዚ ዝበሉ ኣሜሪካ ንዩክሬን ንምሕጋዝ ተወሳኺ 40 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ዘቕረበቶ ሓሳብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሩካ ምፅዳቑ ስዒቡ ኢዩ፡፡

ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ቴሌግራም ገፆም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ዲሚትሪ ሜድቬዲቭ፥ እቲ ባይቶ ዘፅደቖ ሓገዝ ገንዘብ ሩሲያ በቲ ኲናት ንኽትሰዓርን ኣብ ዓለም ዘለዋ ፅዕንቶ ንኽግታእን ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

“ይኹን እምበር እቲ ትልሚ ኣሜሪካ ኣይዕወትን” ዝበሉ እቶም ነበር ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ውድቀት ኢኮኖሚ ዝርከብ መንግስቲ ኣሜሪካ በቢእዋኑ ገንዘብ ዝሕትመሉ መሳርሒ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝግበር ኣብሪሆም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ስልጣን ምስለቐቑ ምክትል ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ፀፅታ ኮይኖምእናገልገሉ ዝርከቡ ሜድቬዴቭ፥ ፀረ ሩሲያ ብዝኾኑ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ፍርያት ነዳዲን ግሮሰሪን ምስ ሩሲያ ብዝተጋነነ ዋጋ ይዕድጉ ነይሮም ተባሂሎም ይሕመዩ፡፡

ፍልፍል፦ ሬውተርስ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.