Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ምስ 3 ሃገራት ፓስፊክ ኣብ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ፅዕንቶ ቻይና ንምፅዋር ዓሊማ ምስ 3 ሃገራት ፓስፊክ ኣብ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዓ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መራሕቲ ፓስፊክ ፓላው፣ ማርሻል ደሴታትን ማይክሮኔዥያን ኣብቲ ቀጠና ኣብ ዘሎ ፀፅታን ድሕንነትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሞም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣንቶኒ ብሊንከን፥ ኣማሪካ ምስ ሃገራት ፓስፊክ ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝቕፅሉ 20 ዓማውቲ ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኢያ ኢሎም።

ነዚ ድማ ነተን ሃገራት ደገፍ ዝኸውን 7 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ከምዝተስማዕመዐት ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ ኣብ ወሰን ማእከላዊ ፓስፊክ ውቅያኖስ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ክፍጠር ኢዩ ኢሎም ክብል ኣርቲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.