Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንዩክሬን ክላስተር ቦምብ ንክወሃብ ዘሕለፈቶ ዉሳነ ተግባራዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክረይን ኣንፃር ሰራዊት ሩስያ ኣብ እተካይዶ ዘላ ውግእ ክላስተር ቦምባታት ኣመሪካ ትጥቀም ከምዘላ ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ኣረጋጊፁ።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ከምዝገለፅዎ፥ እቶም ኣፅዋራት ኣብ ልዕሊ መስመራት ምክልኻል ሰራዊት ሩስያ “ኣድማዒ” ስራሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ፈላማይ ዳህሳስ የመልክት።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆባይደን ንዩክሬን ክላስተር ቦምብ ንክወሃብ ዘሕለፍዎ ዉሳነ ተግባረታዊ ከምዝገብርዎ ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ምርግጋፆም ይዝከር።

ብዙሓት ተፈንጨልቲ ቦምባታት ዝብትኑ ክላስተር ቦምባታት ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ብሰንኪ ዝፈጥርዎ ስግኣት ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ተኸልኪሎም እዮም፡፡

ኣሜሪካ ግን ዓቕሚ ኣፅዋር ዩክረይን ንምሕያል ክላስተር ቦምባታት ከተቕርበላ ተሰማሚዓ።

ዩክረይን ብወገና ብዝሒ ዘለዎም ሰራዊት ሩስያ ንምብታን ጥራይ ከምእትጥቀመሉ ቃል ኣትያ።

ነቶም ቦምባታት “ብግቡእ ይጥቀሙሎም ኣለዉ” ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል፥  ድሮ ኣብ ልዕሊ ምክልኻልን ኣሰላልፋን ሰራዊት ሩስያ ፀቕጢ ይፈጥሩ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ዩክረይን ኣብ ክረምቲ ኣብ ዝጀመረቶ ፀረ-መጥቃዕቲ ኣፅዋር ትውድእ ከምዘላ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃባ ኣሜሪካ ክላስተር ቦምባታት ክትልእኽ ከምዝወሰነት ቢቢሲ ፀብፂቡ።

መብዛሕትኦም እቶም ዝተለኣኹ ቦምባታት ቀልጢፎም ዘይፍንጀሩ ስለዝዀኑ ንዓመታት ስግኣት ኮይኖም ክቕፅሉ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ግምታት ኣሎ።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ነቲ ውሳነ “ኣዝዩ ከቢድ” ክብሉ ዝገለፅዎ እንትኾኑ፥ መሓዙት ኣሜሪካ ዝኾና ሃገራት እንግሊዝ፣ ካናዳ፣ ኒውዚላንድን ስፔንን ምጥቃም እቲ ኣፅዋር ተቓዊመን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.