Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ ማዕቐብ ክተንብር ኢያ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ ማዕቐብ ከምተንብር ኣፍሊጣ።

ኣማኻ ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን÷ “ኣሜሪካ ኣብ ሰብ ኣልቦ ድሮንን ፕሮግራም ሚሳኤልን ኢራን ዒላማ ዝገበረ ማዕቐብ ክተንብር ኢያ” ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንዘብዒ ኣብዮታዊ ኢራንን ሚኒስቴር ምክልኻልን ኢራን ኣብ ልዕሊ ዝድግፉ ኣካላት ማዕቐብ ከምተንብር ኣጠንቂቖም።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ስዒቡ ናይ ሕነ ምፍዳይ ግብረ መልሲ ንመሃብ ፕሬዚዳንት ባይደን መሓዙት ኣሜሪካ ምስ ዝኾና ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 እናዘተዩ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ናይ ኣየር መከላኸሊታትን ስርዓታት ቅደመ መጠንቀቕታን ከምዝሃነፀት ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሚሳኤላት ኢራን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ውፅኢታዊ ከይኾኑ እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝንበሩ ሓደሽቲ ማዕቐባት ወታደራዊ ዓቕሚ ኢራን ዘዳኽሙን ዓቕመ ኣፅዋር ንምቁፅፃር ዝሕግዙን ኢዮም” ምባሎም ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ኣመልኪቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.