Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዓሊሙ ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ልዕሊ 37 ሚሊየን ዶላር ሓጊዛ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዓሊሙ ንዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ልዕሊ 37 ሚሊየን ዶላር ሓጊዛ።

እቲ ሓገዝ ብዋናነት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን፣  ተቓላዕነት ሕብረተሰብ ንምቕናስ ከምኡ’ውን ግንዛበ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መንግስቲ እታ ሃገር ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፅርን ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ፣ ሚኒስቴር ሰላም፣ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፣ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ካልኦት ሃገር ቦቆልን ዓለም ለኻዊን ትካላትን ብሓባር ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ጥዕና 4 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ዝገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓት እውን ደገፍ ምግባሩ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.