Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሰራሕተኛታታ ክልከላ ጉዕዞ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ካብ ኢራን መጥቃዕቲ ክፍኖ ይኽእል ብዝብል ስግኣት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታታ ክልከላ ጉዕዞ ከምዝገበረት ተገሊፁ፡፡

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ እስራኤል፤ ንጥንቃቐ ተባሂሉ እቶም ዲፕሎማሰኛታ ካብ ከባቢታት እየሩሳሌም፣ ቴልአቪቭ ወይ ድማ ካብ ቤርሳቤህ ወፃእ ከይጓዓዙ ምትሕስሳቡ ተሓቢሩ።

ኢራን ቅድሚ 11 መዓልቲ ኣብ ሶሪያ ዝርከብ ቆንስላ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሕልፈት ህይወት 13 ሰባት እስራኤል ብምውንጃል ግብረ መልሲ ከምትህብ ምግላፃ ይፍለጥ።

ፃኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ ዴቪድ ካሜሮን ምስ ኢራን መዘነኦም ብስልኪ ኣብ ዝገበሩዎ ናይ ስልኪ ዘተ÷ ወጥሪ ዝውስኽ ስጉምቲ ግብረ መልሲ ከይውሰድ ምሕታቶም ተገሊፁ።

እስራኤል ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ንዝበፅሐ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣይትውሰድ እምበር፤ ኣብ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝነበረት ግን ብስፍሓት ከምዝእመን ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ መጥቃዕቲ÷ ኣብ ጋዛ ዘሎ ኲናት ኣብቲ ከባቢ ከይስፋሕፋሕ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪታት እናተገበሩ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ዘጋጠመ ኢዩ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ኢራን ቅሉዕ መጥቃዕቲ ከምትፍፅም ብምጥንቃቕ ንእስራኤል ሓፂን ለበስ ሓገዝ ንመሃብ ቃል ኣቲዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.