Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራ ዝፍፅሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ንከብል ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) መንግስቲ ኣሜሪካ ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራ ዝፍፅሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ንከብል ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ስደተኛታት ኤርትራ መጥቃዕቲ ይፍፅም ከምዘሎ ዘርእይ ጭቡጣት መረዳእታታት ከምዘለውዎ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለፂ ኣብቲ ክል ኣብ ዝርከቡ ዕቑባ ኣብ ዝሓቱ ሰባት፣ ዝተፈናቐሉ ሰባትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ደገፍን ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ደው ንክብሉ ሓቲቱ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ናይ መጀመሪያ ዘይምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀሞም ጭቡጣት መረዳእታታት ከምዘለውዎ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.