Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ሪቼል ኦማሞ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ፌዴሪኢን ኣምባሳደር መለስ ኣለም ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ሪቼል ኦማሞ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር መልስ ኣለም ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ብዛዕባ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ – ሱዳን፣ ዶክተር ኣርከበ ዑቕባይ ናብ ዳይክተርነት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሕፁይ ኮይኖም ምቕራቦም ከምኡ እውን ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃ ዝምልከት መብርሂ ነተን ሚኒስትር ሂቦምወን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ሪቼል ኦማሞ፥ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል መርህ መሰረት ብምግባር ጉዳይ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ይኹን ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብሰላማዊ መገዲ መዕለቢ ከምዝረክብ ዘለወን እምነት ገሊፀን።

ኣብ ሞንጎ ዶብ ጎረባብቲ ሃገራት ፍልፍል ምትሕብባር እምበር ፍልፍል ጎንፂ ክኾኑ ከምዝይግባእ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ብዓወት ንኽሳለጥ ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።

ዶክተር ኣርከበ ዑቕባይ ኣብ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሕፁይ ኮይኖም ምቕራቦም ብሕብረት ኣፍሪካ ድጋፍ ዝተውሃቦ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ኬንያ እውን ድጋፋ ከምትህብ ኣረጋጊፀን።

ኬንያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘበናት ዘቑፀረ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምትደሊን እዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረሙ ክልተኣዊ ስምምዓት ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእን ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.