Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሙሉ ሰለሞን ንኣባላት ፓርላማ ጀርመን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መብርሂ ሂበን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ሙሉ ሰለሞን ንኣባላት ኮሚቴ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ልምዓትን ፓርላማ ጀርመን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መብርሂ ሂበን።

እተን ኣምባሳደር ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፣ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫን ብዝምልከት ለዕሊ 32 ንዝኾኑ ኣባላት እቲ ፓርላማ መብርሂ ሂበን ኢየን።

ኣብቲ ክልል ን4 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ከምዝተገበረሎም ብምሕባር፥ ካብዚ እቲ 70 ሚኢታዊ መንግስቲ ከምዝሸፈኖን ጉጅለ ህወሓት ምውጋዱ ነዚ ቀጠና ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎ ግደ ልዑል ከምዝኾነን ኣረዲአን።

ኢትዮጵያ ዜጋታት ካብ ድኽነት ንምልቓቕ ወሳኒ ዝኾነ ድልየት ሓይሊ ንምምላእ ዓሊማ እቲ ግድብ ትሃንፅ ከምዘላ እውን ተዛሪበን።

ምስ ታሕተዋይ ተፋሰስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ኣፈላላይ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ብዝግበር ድርድር እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝሓሸ ኣማራፂ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

መንግስቲን ኣባላትን ፓርላማን ጀርመን ኣብ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኮቪድ 19፣ ምርጫን ይካየዱ ኣብ ዘለዉ ስራሕቲ ለውጢን ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ ዓሊሞም ንዝገብርዎ ደገፍ አመስጊነን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.