Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሙሉ ሰለሞን ደብዳበ ሽመተን ንፕሬዚዳንት ፖላንድ ኣቕሪበን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ሙሉ ሰለሞን ደብዳበ ሽመተን ንፕሬዚዳንት ፖላንድ ኣንድርዘጅ ዱዳ ኣቕሪበን።

እተን ኣምባሳደር ተቐማጥነቶም ኣብ ጀርመን፣ በርሊን ገይሮም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፖላንድ ኮይነን ተሸይመን ኢየን።

ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ንምፅራይ መንግስቲ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምዝታዮም እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.