Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሙክታር ደብዳበ ሽመቶም ንፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሙክታር ከድር ደብዳበ ሽመቶም ንፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ኣቕሪቦም።

ኣምባሳደር ሙክታር ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝፀንሐን ታሪኻዊን ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ፕሬዚዳትን ተቓላሳይ ናፅነትን ንዝነበረ ኒልሰን ማንዴላ ሓዊሱ ንብዙሓት ተቓለስቲ ናፅነት ስልጠና ከምዝሃበት እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካው ሲሪል ራማፎሳ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ንቃልሲ ናፅነት ደቡብ ኣፍሪካ ዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቅሪቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ምስቶም ኣምባሳደር ብምዃን ርክብ ክልቲአን ሃገራ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ምርግጋፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.