Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ተወካሊ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክሪስ ኒኮይ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ እዋን ዘተኦም ድማ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡

መንግስቲ ፌዴራል ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምሕጋዝ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝርከብ ብምሕባር÷ ከም ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝበሉ ትካላት ሓገዝ ምህላዉ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ከምዝሕግዝ ገሊፆም፡፡

ክሪስ ኒኮይ ብግደኦም÷ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምሕጋዝን ብሓባር ንምስራሕን ከምዝተስማዕምዑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.