Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኪራ ስሚዝ ሲንድብጀርግ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማይ÷ ኣብ ክለተኣዊ ርክብን ኩለመዳይ ጉዳያትን ጠሚቶም ከምዝዘተዩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ፤ ኢትዮጵያ ምስ ዴንማርክ ኣብ ሓይሊ፣ ክሌማዊ ለውጢ፣ ህንፀት ዓቕሚን ካልኦት ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፆም፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዴንማርክ ላረስ ሎኬ ራስሙሰ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትልሚ ምሓዞም ንኢዶም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃሒት ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.