Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ተፈሪ ኣለሙ ምስ ኣቦ መንበር ጉጅለ ጉዳይ ኢትዮጵያ ፓርላማ እንግሊዝ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ተፈሪ መለስ ምስ ኣባል ፓርላማ እንግሊዝን ኣብቲ ፓርላማ ኣቦ መንበር ጉጅለ ጉዳይ ኢትዮጵያን ዝኾኑን ላውረንስ ሮበርትሰን ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ተፈሪ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ገዝ ተበፃሒ ንምግባርን ንምምዕርራይን በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ቀረብ ርዳእታን ጉዳይ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ስደተኛታትን ዝምልከት መብርሂ እውን ገይሮም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብዝገበሮ ወራር ሚሊየናት ከምዝተመዛበሉ ብምሕባር፥ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽቐርበሎም ምሕታቶም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብነዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.