Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ተፈራ ደርበው ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት ፣2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዡ ቢንግ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብዝበለፀ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ትኹረት ገይሮም፡፡

ምስ ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ተተሓሒዙ ክልቲአን ሃገራ ክህልወን ኣብ ዝግባእ ክልተኣዊ ምትሕብባርን እቲ ኢኒሼቲቭ ምድንፋዕ ኣብ ዝኽእላሉን ኩነታት ከምዝተዛተዩ እውን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.