Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ ምስ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ህፁፅ እዋንን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀ ስላሴ ምስ መተሓባበሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ህፁፅ እዋንን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማርክ ሎውኩክ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ኣብ ዝኾነሉ ኣግባብ ዘድሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ናብ ኣገልግሎት ምእታው ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብዝምልከት ሓሳብ ምልውዋጦም ካብ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ፌዴራል ዝርከቡን ኣብ ወሰናወሰን ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝርከቡ ከባቢታት ብኣግባቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተገይሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.