Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ታዬ ንኣማኻሪት ዋና ፀሓፊ ምክልኻል ገበን ምፅናት ዘርኢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ንኣማኻሪት ዋና ፀሓፊ ምክልኻል ገበን ምፅናት ዘርኢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፕራሚላ ፓተን  ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ መብርሂ ሂቦም።

ኣምባሳደር ታዬ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ብመንግስቲ ዝቐረበ ሕቶ ንደራደርን ሽምግልናን ውድቂ ብምግባር ከይዲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ዝኸደሉ መገዲ ብዝምልከት ነተን ኣማኻሪት መብርሂ ሂቦም።

ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ኣብ መላእ ሃገር ብሄር ተኮር ጎንፂታት ብምቅንብባር ዝገበሮም ጥፍኣታት ብዝምልከት እውን ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዝ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ቀይሕ መስመር ተመሓላሊፊ ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊን ስርዓትን ብምኽባር ገበነኛታት ንፍትሒ ንምቕራብ ወፍሪ ጀሚሩ ኢዩ ከምዝበሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣማኻሪት ዋና ፀሓፊ ምክልኻል ገበን ምፅናት ዘርኢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፕራሚላ ፓተን ብግደአን፥ ንዝተውሃበን መብርሂ ብምምስጋን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝበፅሕ ጨፍጫፍ ደው ክብል ይግባእ ኢለን።

ብተወሳኺ ጁንታ ህወሓት ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝኸዶ ዘሎ መገዲ ኣውጊዘን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.