Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ደሚቱ ሀምቢሳ ምስ ፕሬዚደንት ኮሚቴ ድሕንነት ሪፐብሊክ ፓርላማ ጣሊያን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣  27 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ደሚቱ ሀምቢሳ ምስ ፕሬዚደንት ኮሚቴ ድሕንነት ሪፐብሊክ ፓርላማ ጣሊያን አዶልፎ ኡርሶ ተዛቲየን።

እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪካን ግድብ ህዳሰን ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ።

እተን ኣምባሳደር፥ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንክኸውን ብወገን መንግስቲ ይፍፀሙ ብዛዕባ ዘለዉ ተግባራት፣ ሓገዝ ንከይበፅሕ ብጁንታ ህወሓት ብዛዕባ ዝግበሩ ዘለዉ መፍረስቲ ምንቅስቓሳት፣ ኣብ ልዕሊ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝበፅሕ ዘሎ ትንኮሳን ጉድኣትን፣ ህፃናት ንውትህድርና ምምልማልን ምውፋርን ተግባራት ጉጅለ ኣሸባሪ ህወሓትን ካልኦት ዛዕባታትን ብምርዳእ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተግባራት ንከውግዝ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እቶም ፕሬዚዳንት ብግደኦም፥ ኣብ ትግራይ ክልል ዘሎ ሓቂ ንክርድእዎ ብዛዕባ ዝተገበረ ገለፃ አመስጊኖም ዘድሊ ድጋፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.