Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ዳባ ደበሌ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ጄ ኣይ ቢ ኤች ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፍሉይ ልኡኽን ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ዳባ ደበሌ ምስ ሓላፊ ዓለም ለኸ ርክብ ዓለም ለኸ ማሕበር ህንፀት ገዛን ኢንዱስትሪን ጃፓን (JIBH) ኩኒሂሮ ሃሺሞቶ ተዛቲዮም፡፡

ዕላማ እቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ንዝመፅአ ኢኮኖሚን ጠለብ ገዛን ዘላቒ መፍትሒ ንመሃብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንኢትዮጵያ ኣድለይቲ ዝኾኑ ቴክኖሎጂታ እቲ ዓውዲን ልምዲን ጃፓን ምስግጋር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ልውውጥ ሓሳብ ንምግባር ኢዩ ተባሂሉ።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ልዝብ ዝተገበረ እንትኸውን÷ ኣብ ቀፃሊ ካብ ኢትዮጵያን ጃፓንን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘካተተ ተኸታታሊ ዘተን ዑደትን ከምዝካየድ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia #Japan

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.