Fana: At a Speed of Life!

ኣምነስቲ ኢንተርናሽል ቅድመ ሐዚ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘውፅኦ ፀብፃብ ስሕተት ከምዝኾነ ብምግላፅ ይቕሬታ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምነስቲ ኢንተርናሽል ቅድመ ሐዚ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘውፅኦ ፀብፃብ ስሕተት ከምዝኾነ ብምግላፅ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽል ዝተብሃለ ትካል ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘውፅኦ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተሰሓሓተ መረዳእታ ከምዝኾነ ብምርግጋፅ ካብ መርበብ ሓበሬትኡ ዘልዓለ እንትኸውን ዝተሰሓሓተ መረዳእታ ብምውፅኡ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እቲ ትካል ኣብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ብዛዕባ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ፀብፃብ ምውፅኡ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ናይ ምፅራይ ተግባር ብምፍፃም ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽል መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ዝወሰዶም ስጉምቲታት ኩሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ገይሩ ናይ ምፅላም ዝንባለ ዝስትውዓለሉ ከምዝኾነ ዝገለፅ መግለፂ ኣውፂኡ ነይሩ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴሪኢ፥ ብኣብዝሓ “ገለልተኝነት” ዝጎደሎ፣ ፀገም ምዘና መረዳእታ ዘለወ፣ ነባራዊ ኩነታት እዛ ሃገር ዘየገናዘበን ካልኦት መሰረታዊ ግድፈታት ዘለዉዎን እኳ ፀብፃብ እንተኾነ፥ ኣብቲ ፀብፃብ ካብዝተኻተቱ ወቐሳታት ጥሕሰት መሰል ዝተወሰኑ ብኽፋል እውን እንተኾነ ተኣማኒነት ዘለዎም ኢዮም ኢሉ ኢዩ።

ብኽፋል ተኣማኒነት ካብ መንጎ ዘለዎም ጉዳያት፥ ኣምነስቲ ብሪፖርት ቅድሚ ምውፅኡ ብመንግስቲ ተፈሊጦም ተሓታትነት ንምርግጋፅ ዓሊሙ ስራሕቲ ምርመራ ክካየደሎም ከምዝፀንሐ ድማ ሓቢሩ ነይሩ።

ስለዝኾነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽል ትማሊ ኣብ ቲዊተር ገፁ፥ እቲ ፀብፃብ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዝነበሮ ምስ ስሕተቱ ዝወፅአ ኢዩ ብምባል ይቕሬታ ሓቲቱ።

ነዚ ስዒቡ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴሪኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽል ዝበለ ዓብዪ ትካል ገፅታ ሓንቲ ሃገር ከበላሹ ዝኽአል ስሕተት ምስራሕን ምውዛዕን ካብቲ ትካል ተፅቢት ዘይግበረሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ንቐፃሊ ተኣማናኒነት ዘይብሎም መረዳእታታት ቅድሚ ምውዝዑ ብዛዕባ እቲ መረዳእታ ሓቃውነት ካብ ዝምልከቶ ኣካል ምፅራይ ግቡእ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.