Fana: At a Speed of Life!

ኣሸንዳ፣ ማሪያ፣ ሻደይ፣ ኣሸንድዬ፣ ሶለልን ዓይኒ ዋሪን ኣብ ዩኔስኮ ንኽምዝገቡ ምድላው ሰነድ መምረፂ ምዝዛሙ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣሸንዳ፣ ማሪያ፣ ሻደይ፣ ኣሸንድዬ፣ ሶለልን ዓይኒ ዋሪን ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ኮይኖም ንኽምዝገቡ ምድላው ሰነድ መምረፂ ምዝዛሙ በዓል ስልጣን መፅናዕቲን ሓለዋን ሓድጊታት ኣፍሊጡ።

ተመራማሪ ባህሊ እቲ መዓል ስልጣን ኣይተ ገዛሀኝ ግርማ፥ በዓላት ደቂ ኣንስትዮ ኣሸንዳ፣ ማሪያ፣ ሻደይ፣ ኣሸንድዬ፣ ሶለልን ዓይኒ ዋሪን ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን እቶም በዓላት ኣብ መዝገብ ዘይደህሰሱ ወከልቲ ደቂ ሰብ ሓድጊታት ዓለም ንኽምዝገቡ ምድላው ሰነድ መምረፂ ምዝዛሙ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቶም በዓላት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘይድህሰስ ሓድጊታት ኮይኖም እንተተመዝጊቦም፥ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይደህሰሱ ወከልቲ ደቂ ሰብ ሓድጊታት ዓለም ዝተመዝገበ ሓምሻይ ዘይድህሰስ ሕድጊ ክኾኑ ኢዮም።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ኣይተ እንደገና ደሳለኝ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ብመንፅር ለዉዋ ሃፍቲታት ተፈጥሮ፣ ታሪኽ፣ ባህሊን እንትረአ ብዓውዲ ቱሪዝም ክንዲቲ ዝድለ ከምዘይተረብሐት ተዛሪቦም።

እቶም ሓላፊ ኣብዚ ሕዚ ሸሞንተ ዝኾኑ ዓበይቲ ጥንታዊ፣ ታሪኻዊን ባህላዊን ሓድጊታት ኣብ እዋናዊ መዝገብ ዩኔስኮ ሰፊሮም ከምዝርከቡ እውን እቶም ሓላፊ ሓቢሮም።

በዓላት ኣሸንዳ፣ ማሪያ፣ ሻደይ፣ ኣሸንድዬ፣ ሶለልን ዓይኒ ዋሪን ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋቦም ኢትዮጵያ ካብ ዓውዲ ቱሪዝም ትረኽቦ ኣታዊ ካብ ምውሳኹ ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ክልል ትግራይን ኣምሓራን ዝህሉ ርክብ ብዝበለፀ ዘተኣሳስርን ዘቀራርብን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ትፅቢት ይግበረሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.