Fana: At a Speed of Life!

ኣቢያተ ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና “ቃል ኪዳን ጀጎል” ዝተብሃለ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ምስ ጨንፈራት ኣቢያተ ፅሕፈት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን “ቃል ኪዳን ጀጎል” ዝተብሃለ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ፡፡

ዘፈር ፖለቲካን ህንፀት ዓቕሚን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ሃረሪ ካብ 22 ነሓሰ ጀሚሩ 2015 ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ጠሚቱ ምስ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ገምጊሙ፡፡

እቲ ሰነድ ኣብ ዘፈር ህንፀት ዓቕሚ ፖለቲካ ኣብ 2016 ንምውጋን ዝተሃቀኑ ዝርዝር መርሃ-ግብሪታት ዝሓዘ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ምኽባር ናብራ ንምርግጋእ ክስርሑ ኣብ ዝግበኦም ተግባራትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ብምዝታይ ኣንፈት ብምቕማጥን ፅባሕ ክዛዝም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ክልል ሃረሪ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ÷ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካን ህንፀት ዓቕሚን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ፣ ምክትል ሓላፊ ኣይተ ሙሳ ኣሕመድ፣ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ ኣይተ ኣብዱልሃኪም ዑመር ሓዊሱ ሓለፍቲን ተወከልቲን ዘፈር ፖለቲካን ህንፀት ዓቕሚን ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተረኺቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.