Fana: At a Speed of Life!

ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ብኽፋል ተዓፂየን ዝፀንሓሉ ግዘ ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ተወሰኽቲ ስጉምቲታት ጥንቃቐ ምውሳድ ስለዘድለየ ኣቢያተ ፍርዲ ብኽፋል ተዓፂየን ዝፀንሓሉ እዋን ንተወሰኽቲ 22 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ከምዝተናወሐ ኣፍሊጡ።

ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ካብ 10 መጋቢት ክሳብ 30 ማዝያ 2012 ዓ.ም ብኽፋል ተዓፂየን፤ ቅልጡፍ ውሳነን ትእዛዝን ቤት ፍርዲ ዘድልዮም ጉዳያት ድማ ብተረኛታት ችሎት ንኽተኣናገዱ ከምዝተወሰነ ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ዳይናታት ፌዴራል ኣብ ኩለን ምድብ ችሎታት ብዝተዋደዱ ተረኛታት ችሎት ኣገልግሎት እናሃቡ ምፅነሖም ዝገለፀ እቲ ቤት ፍርዲ፥ ኣብ ገዛን ቢሮን ንውሳነ፣ ንብይንን ንትእዛዝን ዝተቖፀሩ መዛግብቲ ኣብ ምቅላል ልዑል ውፅኢት ኣምፂኦም ኢዮም።

ብተወሳኺ ቁፅሪ ታረኛታት ዳያኑ ብምውሳኽ ምስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተተሓሒዞም ዝቐርቡ ጉዳያት እናሰርሑ ከምዝርከቡን ብዝተውሃቡ ውሳነታት ዝቐርቡ ናይ ይግበአኒ ቅሬታታት እውን በቢደረጅኡ ብዘለዉ ኣቢያተ ፍርዲ እናተርኣዩ ከምዝኾኑ ኣብሪሁ።

እቲ ላዕለወሳይ ቤት ፍርዲ ከምዝገለፆ፥ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ኣቢያተ ፍርዲ ካብ 3 ጉንበት 2012 ዓ.ም ጀሚረን ን22 ናይ ስራሕ መዓልቲ ማለት እውን ክሳብ 30 ጉንበት 2012 ዓ.ም ንሳልሳይ ግዘ ብኽፋል ተዓፂየን ንኽፀንሓ ተወሲኑ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ እዚ እዋን፦

* ኣብ ኣቢያተ ፍርዲ ንምርመራን ውሳነን ቆፀሮ ዝተትሓዘሎም ውዙፍ መዛግብቲ ተፈሊዮምን ከከምኩነታቱ እናተርኣዩ መዕለቢ ዝወሃቦም እንትኸውን፥ ውዝፍ መዝገብ ዘይብሎም ችሎታት ውዝፍ መዝገብ ንዘለዎም ችሎታት ክሕግዙ ከምዝግበር፣

* ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ ሰብ ጉዳያት ብዝምልከት ድማ ምስ ኣመሓደርቲ ቤት ህንፀታት ብምዝታይን መርሃ-ግብሪ ብምውፃእን ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣገልግሎት ንመሃብ ፃዕሪ ከምዝግበር፣

* በዓል ጉዳያት ብኣካል ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብስሩዕ ኣካይዳ ናይ ምስማዕ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ ዝበሃሉ ጉዳያት እንተጋጥሙ ብሪጅስትራር ተፈሊዮምን ካብ ዝምልከቶ ኣካል ፍቓድ ብምሕታትን ተግባራዊ ከምዝግበሩን እቲ ቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ።

* አዋጅ ህፁፅ እዋን ንምፍፃም ተግባራዊ እናተገበሩ ምስ ዝርከቡ መምርሒታት ተተሓሒዞም ዝቐርቡ ጉዳያት ብቕልጡፍ መዕልቦ ክረኽቡ ዝግበኦም ስለዝኾኑ ኣገዳሲ ኮይኑ እንትርከብ ቁፅሪ ታረኛታት ዳያኑ ንኽውሰኽ ከምዝግበር እውን ገሊፁ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝቐርቡ ናይ ይግበአኒ ቅሬታታት እውን ብቅልጡፍ ተራእዮም ዕልባት ክወሃቦም ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.