Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ኦዲፒ ኣብ ክሊ ኣገዳስነት ፓርቲ ብልፅግና ኣድሂቦም ኣብ ኣዳማ ከሳልጥዎ ዝቐነዩ ዘተ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላትዴሞክራቲክ ፓርቲ ኦሮሞ (ኦዲፒ) ኣብ ክሊ ኣገዳስነት ፓርቲ ብልፅግና ኣድሂቦም ኣብ ከተማ ኣዳማ፣ ኣዳራሽ ኣባ ገዳ ንሰለስተ መዓልታት ከሳልጥዎ ዝቐነዩ ዘተ ተዛዚሙ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምዝዛም እቲ መድረኽ፥ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፈቃዱ ተሰማን ተረኺቦም።

ልዕሊ 2 ሺሕ ኣባላት ኦዲፒ ኣብ ክሊ ኣገዳስነት ፓርቲ ብልፅግና ኣድሂቦም ብዕምቆት ከምዝተዛተዩ እውን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ዘተ ቀፃሊ ኣንፈታት ብምርቋሕ ከምዝተዛዘመ ካብ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ዝረኸብናዩ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.