Fana: At a Speed of Life!

ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 ብዛዕባ ክልል ትግራይ ኣመልኪተን ዘውፀአኦ መግለፂ ሓቂ ዘየገናዘበ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትራት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ (ጂ7) ብዛዕባ ክልል ትግራይ ኣመልኪተን ዘውፀአኦ መግለፂ መንግስቲ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ዘየገናዘበ ምዃኑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ሙሉእ ብሙሉእ ንምፍታሕ ብዙሓት ስጉምቲታት ኣናወሰደ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ይኹን እምበር ብሚኒስትራት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ጂ7 ዝተውሃበ መግለፂ እዙይ ኣብ ግምት ከእቱ ኣይከኣለን ኢሉ እቲ ሚኒስቴር፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ትካላት ሚዲያ ሓዊሱ ንሰብኣዊ ሓገዝ ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ፍቓድ ዘይተገደበ ምንቅስቓስ ዝሃበ ይኹን እምበር፥ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዓልም እናቐረበ ዝርከብ ሓገዝ ኣዚዩ ትሑት ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ክልል ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝተብሃለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ዓለም ለኸ ሰብ ሞያታት ሰብኣዊ መሰል ምርመራ ንኽገብሩ ፍቓድ ዝተውሃቦም እንትኸውን፥ ኣብ ቀረባ እዋን ስረሖም ከምዝጅምሩ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ሓገዝ ምቕራቡ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ፥ ካብ ሞንጎ እዚ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተረኸበ መጠን ሓገዝ ትሕቲ ሲሶ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፀገም ሙሉእ ብሙሉእን ብእዋኑን ንምፍታሕ እንተተደሊዩ እኹል ቀረብ ሓገዝ ኣብ ምትእኽኻብ ከቐድሙ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

ብኻሊእ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ምውፃእ ከምዝጀመረን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እቲ ቦታ ከምዝተረከበን እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ሙሉእ መሓውር መንግስቲ ንምዝርጋሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.